ኢጋድ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ 26 ተዓዘብቲ መረፃ ኣዋፊሩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 22/ 2018 (ኢዜኣ) በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ 26 ተዓዘብቲ መረፃ ከም ዘዋፈረ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢጋድ ዳይሬክተር ዓውዲ ሰላምን ድሕንነትን ኮማንደር ኣበበ ሙሉነህ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ሰኑይ ንዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ዝዕዘቡ ኣካላት ከም ዝተዋፈሩ ንኢዜኣ ገሊፆም።
ተዓዘብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ እውን ካብ ሴክሬታሪያት ኢጋድን ኣባል ሃገራትን ዝተውፃእፅኡ 26 ሰብ ሞያ ተዓዘብቲ መረፃ ከም ዘዋፈረ ተዛሪቦም።
እቶም ተዓዘብቲ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ተዓዘብቲ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ትካላት ቦርድ መረፃን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን፣ኣወዳድባታት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣባል ሃገራት ብቀጥታ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ዝገብሮ ቅድመ መረፃ ረቛሒ ተዓዛብነት ብምምላእ ምዝገባ ኣካይዱን ቃለ መሓላ ብምፍጻምን ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ እውን ኣብራህሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም