ቀዳማይ ሚኒስት ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ያቤሎ ዝርከብ ማእኸል ባህሊ ቦረና መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 19 /2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስት ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ያቤሎ ዝርከብ ማእኸል ባህሊ ቦረና ሎሚ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤  ብቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ 2013 ዓ.ም እምነ ኩርናዕ ተቐሚጥሉ ዝነበረን ሎሚ ንኣገልግሎት ዝበቕዐን ማእኸል ባህሊ ቦረና ብመሸጣ መፅሓፍ ‘መደመር’ ዝተሃነፀ እዩ።



እቲ ማእኸል ባህሊ ኣብ ልዕሊ 57 ነጥቢ 6 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።
እቲ ማእኸል ስርዓት ገዳ ንምርኣይ ብፍሉይ ኩነታት ዲዛይን ዝተገበረ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ሓደ ግዜ ክሳብ 200 ሽሕ ዘተኣናግድ መኣከቢ ኣዳራሽን ሙዜም ሓድግን ዝሓዘ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን እቲ ማእኸል ባህሊ፣ ታሪኽን ፍልስፍናን ህዝቢ ቦረና ናብ ወለዶ ንምስግጋር ቁልፊ እጃም ከም ዝህልዎ ኣረዲኦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም