ኣብ ዞባ ምብራቕ ቦረና ዝረአ ዘሎ ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ንትገብሮ ጉዑዞ ዓብይ መረጋገፂ እዩ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዞባ ምብራቕ ቦረና ዝረአ ዘሎ ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ንትገብሮ ጉዑዞ ዓብይ መረጋገፂ እዩ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ምብራቕ ቦረና ዝረአ ዘሎ ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ንትገብሮ ጉዑዞ ዓብይ መረጋገፂ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብዚ እዋን ጥራሕ ፃዕራማት ሓረስቶት ልዕሊ 176,223 ሄክታር መሬት ኣብ ምልማዕ ከምዝርከቡን ካብዚ እውን ልዕሊ 3.1 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ከምዝረኸቡን ትፅቢት ይግበር ክብሉ ኣመልኪቶም።
እዚ ልምዓት ሕርሻ ልዕሊ 101,000 መራሕቲ ስድራታት ብምስታፍ ከምኡ እውን ዘመናዊ ትራክተራት ብምጥቃም እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብዝተወደበ ክላስተር ሕርሻ ኣቢልና ዕቑር ዓቐምና ናብ መፍረያይነት እናቐየርና ንርከብ ኢሎም።
ኣብ ዞባ ምብራቐ ቦረና ወረዳ ሊበን ካብ ዝርከቡ ሰፋሕቲ ክላስተራት ስርናይ ጀሚሩ ክሳብ ቀንዲ ቀንዲ ፍርያታ ጣፍ፣ዕፉንን ዓልቋይን ዝረአ ዘሎ ውፅኢት ኣብ ጉዕዞ ምርግጋፅ ቀረብ ምግቢ ውሽጢ ሃገር ከም ንርከብ ህያው ምስክር ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።