ሆስፒታል ላፍቶ ኢትዮጵያ መባፅሒት ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ራኢ ዓብይ መርኣያ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሆስፒታል ላፍቶ ኢትዮጵያ መባፅሒት ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ራኢ ዓብይ መርኣያ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 18/2018 (ኢዜኣ) ሆስፒታል ላፍቶ ኢትዮጵያ መባፅሒት ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ራኢ ዓብይ መርኣያ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ዘበናውን እቲ ዝዓበየን ሆስፒታል ላፍቶ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ከም ዝተመረቐ ኣፍሊጦም።
ምምራቕ እቲ ሆስፒታል ኢትዮጵያ ግንባር ቀደም መባፅሒት ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ብሄራዊ ራኢ ዓብይ መርኣያን መሳገሪ ምዕራፍን ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም።
እቲ ሆስፒታል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተመሓየሸ ፖሊሲ ምክልኻልን ሓኪምካ ምድሓንን መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።
እቲ ትካል ንሕክምና ናብ ወፃኢ ሃገር ዝወፅእ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ንምቕናስን ተዛመድቲ ህንፀት ዝማዕበሉ ወሃብቲ ኣገልግሎት እቲ ዓውዲ ንምቕፃልን ንዝተትሓዘ ሽቶ ዓብይ ዓቕሚ ከም ዝኸውን እውን ኣብራህሪሆም።
እዚ ኣዝዩ ዘበናውን ዓብይን ትካል ሕክምና ከም ካንሰር፣ ዝተሓላለኹ ሕማማት ልብን ተዛመድቲ ኩነታት ሕክምናን ብብርኪ ዓለም ሕክምና ንምሃብን ዘኽእሉ ዘበናዊ ዓቕምታት ዝተሃነፅሉ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ዓብይ ትካል ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሕክምና ብዝለዓለ ብርኪ ካብ ምቕያር ብዝዘለለ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዓርሳ ንምኽኣልን ንሃገራዊ ልምዓትን ዘለዋ ፅኑዕ ቆራፅነት ዘርኢ ህያው ምስክር ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።