ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሐ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሐ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት 18/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሐ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
በዓል ዒድ ኣል ኣድሐ (ዓረፋ) እንትንሓስብ ሰለስተ ነገራት ቀዲሞም ይዝከሩና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንሳቶም ድማ መስዋእቲ፣ተኣዛዚ ምዃንን ምትሕግጋዝን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
እቲ በዓል ኣቦ ወዱ ንመስዋእቲ ዘቕረበሉ፣ቆልዓ ትእዛዝ ኣቡኡ ዝፈፀመሉ፣እስላም ፀጋ ምትሕግጋዝ ንዓለም ዝገለፅሉን በዓል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዐረፋ ብህዝበ ሙስሊም ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ገሊፆም።
ዐረፋ ማሕበረሰባዊ በዓል ዝበሃል ነዚ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሰባት ብውልቀኦም ዘኽብርዎ ኣይኮነን ኢሎም።
ቤተሰብ፣ጎረቤት፣ሰፈር፣ከተማ ዘኽብሮ በዓል እዩ፤ ዘለዎምን ዘይብሎምን፣ዝኽእሉን ዘይኽእሉን፣ዓበይትን ኣናእሽትን፣ሰበ ሰልጣንን ተራ ዜጋታትን ብሓድነት ዘኽብርዎ በዓል እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰብ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እዩ ዝነብር ኢሎም።
መረፃ ማሕበራውን ዜግነታውን ግቡኣት ካብ ንዋፅአሎም መሳርሕታት መህነፂ ዲሞክራሲ እቶም ዋና ዋና ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ ዲሞክራሲ ብዘይካ ተሳትፎ ህዝቢ ኣይዕወትን፤ ብዘይ መረፃ እውን ተሳትፎ ህዝቢ ሙሉእ ኣይኸውንን ክብሉ ገሊፆም።
መሰረት ዲሞክራሲ ጥንካርኡ ዝልካዕ ብመጠን ተሳትፎና እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ሃገራዊ መረፃ እዚ ዓመት ሃገረ መንግሥታዊ ስርዓትና ዝጠናኸርሉ መሰረት እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ ልምምድ ዲሞክራሲና ሓደ ብርኪ ሓፍ ዝብለሉ፣ዕድል ቀፃሊ ዓመታት ሃገርና እንብይነሉ፣ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ብዝሃ ድምፂ ዝስመዐሉ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ሕጊ እንምስርተሉ ወሳኒ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ በዓል እንትነኽብር ዜግነታዊ ግቡእና ንምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ብካርድና ዲሞክራሲያዊ መሰልና ንምርግጋፅ እናተዳለውና ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ርሑስ በዓል ዐረፋ ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።