ሓድነት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዝማዕበለት ኣህጉር ክንሃንፅ ኣለና-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓድነት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዝማዕበለት ኣህጉር ክንሃንፅ ኣለና-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2018 (ኢዜኣ) ሓድነት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዝማዕበለት ኣህጉር ምህናፅ ከም ዝግባእ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊጾም።
መበል 63 መዓልቲ ኣፍሪካ “ዓመታት ሓድነት፣ምትእስሳርን ልምዓትን 63 ዓመታት ብሓባር ነኽብር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፅሪ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ምድላው፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ሓዊሱ ዲፕሎማት ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን፤ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ እጃም በቢ እዋኑ እናተሓደሰ ከም ዝመፀ ሓቢሮም።
መናእሰይ ኣፍሪካ እውን ካልኦት ኣህጉራት እውን ዝምነይዎ ዓቕሚ ዕቤትን ብልፅግናን እታ ኣህጉር ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ሓይሊ ሓድነት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዕቑር ሃፍትታት እታ ኣህጉር ንኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ምውዓል ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ብግደኦም፤ ባህልን ፀጋን ኣፍሪካውያን ንመፃኢ ዕድል፣ ዕቤትን ብልፅግናን እታ ኣህጉር ዝተርፍ ፍልፍል ጥንካረ እዩ ኢሎም።
ዓቕሚ ምትሕብባር ኣፍሪካ ብምጥንኻር ተረባሕነት ዜጋታት እታ ኣህጉር ዘረጋግፅ ናይ ባዕልኻ ዝሓሸ ዕድል መሕንፃፅ ከም ዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዕቤት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ብምስፋሕ ዕቑር ፀጋ ልምዓት እታ ኣህጉር ናብ ዘላቒ ብልፅግና ምቕያር ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።