ምህዳር ዕዳጋ ስራሕ ብዲጂታል ስርዓት ብምምዕባል ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዝራኸብሉ ዕድል እናተፈጠረ እዩ-ሚኒስትር ሙፈርያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2018 (ኢዜኣ) ምህዳር ዕዳጋ ስራሕ ብዲጂታል ስርዓት ብምምዕባል ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዝራኸብሉ ዕድል እናተፈጠረ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል ገሊፀን።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ብምትሕብባር ዘማዕበሎ ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዝራኸብሉ ‘ፈልጉልኝ’ ዝተብሃለ ዘበናዊ ዲጂታል መተግበሪ ዕላዊ ገይሩ።



ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዜጋታት ዘማዕብሉ ስጉምትታት ዲጂታል ኣማራፂ ተግባራዊ እናተገበሩ እዮም።
እቲ ዕላዊ ዝተገበረ ‘ፈልጉልኝ’ መተግበሪ መራኸቢ እውን ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዘራኽብ ዲጂታል ኣማራፂ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ሞያን ክእለትን ዘለዎም ዜጋታት ዘስፍሕ እዩ ኢለን።
እቲ መተግበሪ ምስ ፋይዳን ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያን ብምትእስሳር ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ቋንቋ ተበፃሒ ከም ዝኸውን እውን ሓቢረን።
ምህዳር ዕዳጋ ስራሕ ብዲጂታል ስርዓት ብምምዕባል ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዝራኸብሉ ዕድል እናተፈጠረ ከም ዝኾነ ኣረዲአን።
ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሃሚድ ብግደአን፤ እቲ መተግበሪ ብሃገር ቦቆል ፍልጠት ቴክኖሎጂ ዝማዕበለን ድሕነነቱ ዝተሓለወን ከም ዝኾነ ተዛሪበን።
እዚ እውን ሉኣላዊነትን ድሕንነትን ሓበሬታ ንምሕላው ተወሳኺ ዓቕሚ ከም ዝኸውን ኣብሪሀን።
እቲ መተግበሪ፤ ኣማራፅታት 5 ቋንቋታት ውሽጢ ሃገርን ሓፂር መልእኽቲ ስልክን ዝሓዘ ከም ዝኾነን ተረባሕነት ዜጋታት ንምዕባይ ርኡይ ፋይዳ ከም ዘለዎን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም