ኣብ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ሕፅረት ፍርያት ንከየጋጥምን ዝተረጋግዐ ዕድጊት ንክህሉን ምድላው ተገይሩ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ሕፅረት ፍርያት ንከየጋጥምን ዝተረጋግዐ ዕድጊት ንክህሉን ምድላው ተገይሩ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 16/2018 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ በዓል ዒድ ኣል-አድሃ (ዓረፋ) ሕፅረት ፍርያት ንከየጋጥምን ዝተረጋግዐ ዕድጊት ንክህሉን ምድላው ከም ዝገበረ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ንመበል 1145 ግዜ ዝኽበር በዓል ዒድ አል-ኣድሃ (ዓረፋ) ምኽንያት ብምግባር ነበርቲ ብዘይ ዝኾነ ፅዕንቶን ምንግልታዕን ዕዳጋ ብሓጎስ ንከኽብሩ መሰረታዊ ፍርያታት በዓል ብዝተመጣጠነ ዋጋን ብብቑዕ መጠንን ንክቐርቡ ሰፊሕ ምድላው ከም ዝገበረ ኣፍሊጠን።
ብፍላይ ድማ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ 7ቲኦም ማእኸላት መሸጢ ፍርያት ግብርና ፍርያታት ዝራእቲ፣ጥራ ምረ፣ኣትክልትን ፍራ ምረን ብሰፊሑን ብተመጣጣኒ ዋጋን ከም ዝቐረቡ ሓቢረን።