ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ብምድጋፍን እስላማዊ ክብርታት ብምሕላውን ከኽብር ይግባእ - ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ብምድጋፍን እስላማዊ ክብርታት ብምሕላውን ከኽብር ይግባእ - ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/ 2018 (ኢዜኣ) ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ብምድጋፍን እስላማዊ ክብርታት ብምሕላውን ከኽብር ይግባእ ክብል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡
እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።
እቲ መግለፂ ዝሃቡ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሸይኽ ኣብዱልከሪም ሸይኽ በድረዲን፤ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል ብምትሕግጋዝን ብምርድዳእን ከኽብሮ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ምክትል ፕሬዚዳንት ልምዓትን ማሕበራዊ ጉዳያትን እቲ ቤት ምኽሪ ሸይኽ ሃሚድ ሙሳ ብግደኦም፤ እቲ በዓል ተኣማንነት፣መስዋእትነትን ትዕግስትን ነቢዩሏህ ኢብራሂም (ዐ.ሰ) ዝዝከረሉ ስለዝኾነ ህዝበ ሙስሊም መንፈሳዊ ክብርታቱ ሓልዩ ከኽብሮ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ በዓል ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ሕሙማንን ብምሕታትን ብምርዳእን ከምኡ እውን ንሰላም ሃገርን ንሓድነት ህዝቢታትን ብምስራሕ ምኽባር ይግባእ ኢሎም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ሙስሊም ማሕረሰብ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ብንቕሓት ንኽሳተፍን እቲ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘምን ዝተለመደ ሰናይ እጃሙ ንከበርክት ፀዊዖም።
ናይ ሎሚ ዘበን መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ፅባሕ ሮብዕ 19 ግንቦት 2018 ዓ.ም ከም ዝኽበር ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሓቢሩ።