መዓልቲ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2018 ኢዜኣ) መበል 63 መዓልቲ ኣፍሪካ “ዓመታት ሓድነት፣ምትእስሳርን ልምዓትን 63 ዓመታት ብሓባር ነኽብር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ክኽበር እዩ።
ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኣፍሪካውያን ዲያስፖራታትን እቲ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከኽብርዎ እዮም።
እቲ መዓልቲ፤ ዋና መቐመጢ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ክኽበር እዩ።



እቲ ሕብረት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ኣብ መዓልቲ ኣፍሪካ እዚ ዓመት ነበር ትካል ሓድነት ኣፍሪካ(ናይ ሕዚ ሕብረት ኣፍሪካ) ዝተመስረተሉ መበል 63 ዓመት ተሓሲቡ ከም ዝውዕል ገሊፁ።
መዓልቲ ኣፍሪካ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ብስፖርታዊ ውድድራት፣ዓውደ ርእያት፣ባዛር፣ፀወታታት መዘናግዕን ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን እናተኸበረ ፀኒሑ እዩ።
ስነ ስርዓት መዛዘሚ ኣከባብራ እቲ መዓልቲ ኣብ ዋና መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ እንትኸውን፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሕብረት፣ተወከልቲ ኣባል ሃገራት፣ዳያስፖራታት ኣፍሪካ፣ዲሎማት፣መሓዙት ልምዓትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከም ዝርከቡ እቲ ሕብረት ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
እቲ መዓልቲ፤ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት እቲ ሕብረት ብምዃን ምስ ኣባል ሃገራት፣ ኣወዳድባታት እቲ ሕብረትን ዞባዊ ማሕበረሰባት ኢኮኖም(RECs)ን ብምትሕብባር ከም ዘዳለውዎ እውን ተገሊፁ።
መዓልቲ ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 25 ግንቦት እዩ ዝኽበር።
እቲ በዓል፤ መዓልቲ ኣፍሪካ ተባሂሉ ቅድሚ ምስያሙ መዓልቲ ነፃነት ኣፍሪካ እናተብሃለ እዩ ዝኽበር ኔሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም