ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመዓልቲ ኣፍሪካ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመላእ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍሪካውያን ንመዓልቲ ኣፍሪካ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቅድሚ 63 ዓመታት ኣቦታት ኣፍሪካ ኣብዚ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምእካብ ነፃን ዝተሓባበረትን ኣህጉር ንምህናፅ ዓብይ ሕልሚ ምሕላሞም ኣዘኻኺሮም።
እዚ ሕልሚ ሓድነት ኣቦታት ሎሚ እውን ከይሃሰሰ ብድሙቕ ኩነታት ምቕፃሉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ታሪኻዊት ማእኸል ሕብረት ኣፍሪካ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ሎሚ እውን በቲ ታሪኻዊ መንፈስ ሓድነት ምስ ሕድ ሕድ ሃገር ኣፍሪካ ብሓባር ንምዃን ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊጾም።
ይኹን እምበር እታ ኣህጉር ንምምዕባል ዝሳለጡ ስራሕቲ ገና ብዙሕ ከም ዝተርፎም ብምሕባር፤ ሕዚ ካብ ዘለዋሉ ብርኪ ብዝበለፀ ንምስግጋር ካብ ቃላት ናብ ተግባር፣ካብ ቃል ኪዳን እውን ናብ ዝጭበጥ ዕቤት ምስግጋር ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን እቲ ዝዓበየን ቀንድን ሃፍቲ ኣፍሪካ ህዝብታታ ከም ዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እታ ኣህጉር ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ብምጥቃም ብሓድነት ኣብ ዝለዓለ ብራኸ ክንበፅሕ ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም