ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና መሰረት ዘላቒ ሰላምናን ዕቤትናን እዩ -ሊቀ ትጉሀን ቀሲስ ታጋይ ታደለ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና መሰረት ዘላቒ ሰላምናን ዕቤትናን እዩ -ሊቀ ትጉሀን ቀሲስ ታጋይ ታደለ
ኣዲስ ኣኣበባ/ግንቦት 16/2018 (ኢዜኣ) ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና መሰረት ዘላቒ ሰላምናን ዕቤትናን እዩ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሀን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ “ሃይማኖታዊ ፀጋታትና ንዘላቒ ሰላምና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓሳብ ሓሳብ ሃገር ለኸ ናይ ኣደባባይ መርሃ ግብሪ ፀሎት ሰላምን ሕብረትን ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ፓርክ ኣራዳ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ፤ ኣቦታት ላዕለዎት ሓለውቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ፣ኣቦታት ሃይማኖትን ኣባ ገዳታትን ተረኺቦም።
ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሀን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ንደቂ ሰባት ዕድልን ፈተናን ሒዙ ምምፅኡ ብኣግባቡ ምርዳእ ይግባእ።
ኢትዮጵያ ወናኒት ዘበን ተሳጋሪ ፅኑዕ ታሪኽ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣቦታት ብሓባራዊ ፀሎት ንሰላምን ሓድነትን ሃገሮም ከም ዝፅልዩላ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ናተይ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታን ድሌትን ንላዕሊ እያ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ሓድነትን ሰላምን ንምፅናዕ ከየቋረፅካ ብፀሎት ምትጋህ ይግባእ ኢሎም።
ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ሓዱሽ ገድሊ ሓርበኝነት ምፅሓፍ ከም ዝግባእ ብምሕባር፤ ፀሎት ልባዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ዝሕግዝ ሓድነት መንፈስ ዝሃንፅ ድልድል ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢትዮጵያ ብሓድነት ንሰላምን ዕቤትን ሃገር ምስራሕ ከም ዝግባእ ዝገለፁ ሊቀ ትጉኀን ቀሲስ ታጋይ፤ ብምጥንኻርን ብምትጋህን ንድኽነት ምውጋእ ይግባእ ኢሎም።
ብፅቡቕ ዝዝከር ኣሰር ንምንባር ሓደራ ኣቦታትና ንዋፃእ ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።