ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎት ኣደባባይ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎት ኣደባባይ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 16/2018 (ኢዜኣ) ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎት ሰላምን ሕብረትን ይካየድ ኣሎ።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ “ሃይማኖታዊ ፀጋታትና ንዘላቒ ሰላምና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገር ለኸ ናይ ኣደባባይ መርሃ ግብሪ ፀሎት ሰላምን ሕብረትን ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ፓርክ ኣራዳ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ፤ ኣቦታት ላዕለዎት ሓለውቲ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ኣቦታት ኣብያተ እምነትን ኣባ ገዳታትን ተረኺቦም።