ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(POA)ን ሚስ ወርልድ ኣፍሪካ ሃሴት ደረጀን ኣህጉራዊ መንነት ዝተላበሰ ስራሕ ሚድያ ንምጥንኻር ዝዓለመ ስምምዕ ተፈራሪሞም - ኢዜአ ትግርኛ
ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(POA)ን ሚስ ወርልድ ኣፍሪካ ሃሴት ደረጀን ኣህጉራዊ መንነት ዝተላበሰ ስራሕ ሚድያ ንምጥንኻር ዝዓለመ ስምምዕ ተፈራሪሞም
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 16/2018 (ኢዜኣ) ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(POA)ን ሚስ ወርልድ ኣፍሪካ ሃሴት ደረጀን ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እትፍለጠሉ ዝንቡዕ ተረኽ ንምቕያርን ኣህጉራዊ መንነት ዝተላበሰ ስራሕ ሚድያ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ስትራቴጂካዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም።
እዚ ስምምዕ ፅባቐ፣ ውህብቶ፣ ጥበብ ፈጠራ፣ ፅንዓትን ቀፃሊ ተስፋን ኣፍሪካ ብሓባር ናይ ምህናፅ ራኢ ዝሓዘ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ፊርማ መደረ ዝገበረት ሚስ ወርልድ ኣፍሪካ ሃሴት ደረጀ፤ ቀፃሊ ምዕራፍ ኣፍሪካ ብተሞኩሮ፣ ዓወትን ድምፅን ናይ ባዕልና ሰባት እዩ ዝፀሓፍ ኢላ።
እዚ ምትሕብባር ምስሊ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ሓፍ ንምባል መናእሰይ ኣፍሪካ ምስ መንነቶምን ሓባራዊ ሕልሞምን ዳግማይ ንክራኸቡ ሰፊሕ ዕድል ከም ዝፈጥር ተዛሪባ።
ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ፍፁምእሸት ሽመልስ ብግደኦም፤ ዝንቡዕ ተረኽ ኣፍሪካ ንምቕያር ናይ ነዊሕ እዋን ቆራፅነት ከምዝሓትት ሓቢሮም።
ሓቃዊ ታሪኽ፣ መንነትን ኩለ መዳያዊ ረብሓን እታ ኣህጉር ብኣግባቡ ንዓለም ኣይተገለፀን ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ሓዱሽ ዝተመስረተ ምሕዝነት ታሪኽ ኣፍሪካ ብሓቃውን ዓቕሚ ብዝሃንፅን ምልከታ ንምቕራብ ንዝግበር ጉዕዞ ከም ዘቀላጥፍ ተዛሪቦም።
ሚስ ወርልድ ሃሴት ንመናእሰይ ኣፍሪካ መርኣያ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ እቲ ምሕዝነት ኣህጉራዊ ተበፃሕነት ብምስፋሕ ቀፃሊ ዕድል ኣፍሪካውያን ንምቕራፅ ዓብይ ዓቕሚ ከም ዝኸውን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ውክልና ንምጥንኻር ምስ ዝግበር ሰፊሕ ኣህጉራዊ ፃዕሪ ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም።
እዚ ስምምዕ ተረኻት እታ ኣህጉር ብሓዱሽ መልክዕ ንምቕራፅ ዘኽእል ከም ዝኾነ ተገሊፁ።