እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ብዘሳለጦ ስራሕ ሪፎርም ንፈተናታት ዘይቃላዕ ብቕዓቱ ዝተረጋገፀ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተሃኒፁ እዩ-ሚኒስትር ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ

ሃዋሳ/ግንቦት 15/2028 (ኢዜኣ) እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ብዘሳለጦ ስራሕ ሪፎርም ንፈተናታት ዘይቃላዕ ብቕዓቱ ዝተረጋገፀ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምህናፅ ከም ዝተኽኣለ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ ገሊፀን።
ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ንኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ቀዋሚ ሰራሕተኛታቱን ኣብ ሃዋሳ ዘህነፆም 232 ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ብዕፃ ናይ ምትሕልላፍ መርሃ ግብሪ ኣካይዱ።



ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ብዘሳለጦ ስራሕ ሪፎርም ንፈተናታት ዘይቃላዕ ብቕዓቱ ዝተረጋገፀ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምህናፅ ተኻኢሉ እዩ።
እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ብመሰረት ጋህዲ ዝገበሮ ስራሕ ሪፎርም ብዝወፀ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ንክብሪ እቲ ሰራዊት ዝምጥኑ ጥቕማ ጥቕምታት ብኣግባቡ ንክኽበሩ ተገይሩ እዩ ኢለን።
ስለዝኾነ ድማ ጥቕሚ ንሉኣላዊነት ሃገርን ሰላም ህዝብን መስዋእትነት ሂወት ዝኸፍል ሰራዊት ምክልኻል ንክኽበር ዝግበር ደገፍ ውዕለታ ዘይኮነስ ግቡእ ክብሪ ከም ዝኾነ ተዛሪበን።
ብፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ዝተሃነፁ እቶም መንበሪ ኣባይቲ መንግስትን ህዝብን ነቲ ሰራዊት ዘለዎም ምስጋናን ፍቕርን ብተግባር ዘርኣይሉን ሃገራዊ ሕሊና ዝወለዶም ውፅኢታት ኣፍልጦን ከም ዝኾኑ እውን ኣረዲአን።



እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሓፂር እዋን ንክዛዘም ዝተገበረ ሓባራዊ ርብርብ ጥበብ ምድግጋፍን ሕብረትን ኢትዮጵያውያን ዘርኣየ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቶም መንበሪ ኣባይቲ እቲ ፋውንዴሽን ብናይ ባዕሉ ሰብ ሞያ ዝሃነፆም ከም ዝኾኑ ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም