ኢትዮጵያ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንሕማማት ለበዳ ምፍላይን ምላሽ ምሃብን ዘኽእላ ዓቕሚ እናማዕበለት እያ 

ኣዲስ ኣበባ/ ጉንቦት /14/2018 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንሕማማት ለበዳ ምፍላይን ምላሽ ምሃብን ዘኽእላ ዓቕሚ እናማዕበለት ከም ዝኾነት ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማ ገሊፆም።
ዶክተር ደረጄ ዱጉማ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ትካላት ጥዕና ብምዝማን ኣብ ስርዓት ምክልኻልን ሓኪምካ ምድሓንን ሕማማት ዓቕሚ ምዕባይ ዘኽኣለ ውፅኢታዊ ስጉምቲ ሪፎርም ፖሊሲ ኣካይዳ እያ።
እዙይ ድማ ትካላት ጥዕና እታዎት ሕክምና ብምምላእ ፅሬትን ተበፃሕነትን ኣገልግሎት ምጥንኻር ዘኽኣለ ምህዳር ከም ዝፈጠረ ገሊፆም።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዝነበረ መመርመሪ ናሙና ዘይምህላው፣ሕፅረት መኸዘኒ ኦክስጂን ፕላንትን ኣብ ሆስፒታላት ዝነበረ ሕፅረት ክፍልታት ፅኑዕ ሕሙማትንን ወሳኒ ትምህርቲ ከም ዝተወሰደ ተዛሪቦም።
በዙይ ድማ ኢትዮጵያ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንሕማማት ለበዳ ምፍላይን ምላሽ ምሃብን ዘኽእላ ዓቕሚ ምዕባይ ዘኽኣለ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዝነበርዋ ሰለስተ መፍረዪ ኦክስጅን ፕላንት ናብ 83 ብምዕባይ ኣብ ውሽጢ 50 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ተገልገልቲ ዝጥቀምሉ ምህዳር ከም ዝተፈጠረ ብኣብነት ኣረዲኦም።
ክፍሊ ሕክምና ፅኑዕ ሕማማት ዘለዎም ሆስፒታላት ካብ 70 ዘይበልፁ ከም ዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ እዋን ናብ 198 ሆስፒታላት ምዕባይ ከም ዝተኽኣለ ገሊፆም።
ብሓፈሻ ኣብ ዓወዲ ጥዕና ዝተወሰዱ ዕውታት ስጉምትታት ሪፎርም ኢትዮጵያ ብባዕላዊ ዓቕሚ ሕማማት ለበዳ ምፍላይን ምላሽ ምሃብን ዘኽእላ ዓቕሚ ዝፈጠሩ እዮም ኢሎም።
በዚ ድማ ኣብ ቀረባ ኣጋጢሙ ዝነበረ ለበዳ ቫይረስ ማርበርግ መሉእ ንሙሉእ ብባዕላዊ ዓቕሚ ምፍላይን ምክልኻልን ዘኽኣለ ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም