እቲ መተግበሪ መረጋገፂ ብርኪ ፅሬት ፍርያት ውፅኢታውነት ኣፈፃፅማ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘዕቢ እዩ-ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 13/2018 (ኢዜኣ) ሓዱሽ መተግበሪ መረጋገፂ ብርኪ ፅሬት ፍርያት ውፅኢታውነት ኣፈፃፅማ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘዕቢ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)ን ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ብርክታት ኢትዮጵያ መሠረት በቀለ (ዶ/ር)ን ኣብ ዝተረኸብሉ ብርኪ ፅሬት ፍርያት ብኦንላይን ምርግጋፅ ዘኽእል መተግበሪ ተመሪቑ።




ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ፅሬት ኣገልግሎትን ፍርያትን ምርግጋፅ ማእኸል መንግሥቲ መደመር እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ስርዓት ንግዲ ኢትዮጵያ ብምምዕባል ፅሬት ፍርያት ምስ ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ዘጠዓዕም ዓወት ከም ዝተረኸበ ኣረዲኦም።
እቲ ሓዱሽ ኦን ላይን መተግበሪ መረጋፂ ፅሬት ፍርያት እውን ፅሬት ፍርያትን ኣገልግሎትን ብዝለዓለ ኣፈፃፅማ ምምራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ብርክታት ኢትዮጵያ መሠረት በቀለ (ዶ/ር) ብግደአን፤ እቲ መተግበሪ ፍርያታት ብኦንላይን ብምፍላይን ብምትንታንን ብርኪ ፅሬቶም ምርግጋፅ ዘኽእል እዩ ኢለን።



እዚ መተግበሪ እቲ ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ምጭብርባር ፍርያታት ንክዕድግ ዘኽእል ከም ዝኾነ እውን ኣረዲአን።
እዚ ዲጂታል ስርዓት ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ኣገልግሎትን ፍርያትን ኢትዮጵያ ከም ዘዕቢ ኣብሪሀን።
እቲ መተግበሪ ዝኾነ ሰብ ካብ ኣፕ ስቶር ወይ ድማ ፕለይ ስቶር ኣውሪዱ ብምምዝጋብ ምጥቃም ከም ዝኽእል እውን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም