ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎትን ሰላምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎትን ሰላምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጉንቦት /13/2018 (ኢዜኣ)፦ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ 16 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎትን ሰላምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፓርክ ኣራዳ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎትን ሰላምን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።
ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብ መገለፂኦም፤ እቲ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ፀሎት ሰላምን ሓድነትን ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ዝሳተፍሉ እዩ፡
መልእኽቲ ሰላምን ሓድነትናን ምትሕልላፍ፣ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ምሕላው፣ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ሰላምን ሓድነትን ምጥንኻርን ንሃገር ደው ምባልን ቀንዲ ትኹረት እቲ መርሃ ግብሪ ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም።
ማሕበረሰብ እኹል ግንዛበ ብምርካብ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንክሳተፍ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ 16 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ካብ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ጀሚሩ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓበራዊ ክብርታትን ሓድነትን ዘበርኹ መልእኽትታት ከም ዝመሓላለፉ ሓቢሮም።
ንዘላቒ ሰላም ሃገር፣ምትሕልላይን ሓባራዊነት ህዝብታትን ብሓባር ፀሎት ከም ዝግበር እውን ተዛሪቦም።
እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሐዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተመሳሰልቲ ሃገር ለኸ መርሃ ግብርታት ፀሎት እናካየደ ከም ዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።
ኣብቲ ናይ ሐዚ መርሃ ግብሪ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ኣባላት እቲ ጉባኤ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ኣመራርሓ ዝተፈላለዩ ፖለቲካ ፓርቲታት፣ ሓለፍቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ከም ዝሳተፉ ገሊፆም።