ኢትዮጵያውያን ኣብ ብሄራዊ ረብሓኦም ዘለዎም ሓባራዊ ግንዛበ ንከጠናኽሩ ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያውያን ኣብ ብሄራዊ ረብሓኦም ዘለዎም ሓባራዊ ግንዛበ ንከጠናኽሩ ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ጉንቦት/ 12/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያውያን ኣብ ብሄራዊ ረብሓኦም ዘለዎም ሓባራዊ ግንዛበ ንከጠናኽሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎም ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ገሊፆም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያን “ንዕዉትነት ዲሞክራሲያዊ መረፃ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሓባር ዘዳለውዎ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትዓለም መለሰ፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ፣ ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ፋሲካው ሞላ፣ሓለፍቲ ስራሕ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብዚ እዋን፤ ግደ መራኽብቲ ሓፋሽ ኣብ ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብሪሂኦም ድማ፤ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ደው ክብልሉ ካብ ዝግባእ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ እቲ ሓደ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ብሄራዊ ረብሓኦም ዘለዎም ሓባራዊ ግንዛበ ንከጠናኽሩ ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መራኸብቲ ሓፋሽ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝምልከት ፀብፃባት እንትሰርሑ ብሄራዊ ረብሓ ዝኽበረሉ መገዲ ብዘረጋግፅ መልክዑ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ተሳተፍቲ እቲ ፓናል ኣብ እዋን መረፃ ግደ መራኸብቲ ሓፋሽን ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብን ብዝምልከት ርእይቶታትን ሕቶታትን ዘቕረቡ እንትኸውን፤ ብፓናሊስትን ሓለፍቲ መራኸብቲ ሓፋሽን መልስን መብርህን ተዋሂብዎ።
ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያዊ ዜና ኣገልግልት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፤ መረፃ ዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር መሰል ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከም ዝቕፀሉ ገሊፆም።