ሲቪክ ማሕበራት ኣብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ዝህልዎም እጃም ክትትልን ደገፍን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ሲቪክ ማሕበራት ኣብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ዝህልዎም እጃም ክትትልን ደገፍን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 12/2018(ኢዜኣ) ሲቪክ ማሕበራት ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ዝህልዎም እጃም ክትትልን ደገፍን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከም ዝግባእ ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ፋሲካው ሞላ ገሊጾም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያን “ንዕዉትነት ዲሞክራሲያዊ መረፃ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሓባር ዘዳለውዎ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትዓለም መለሰ፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ፣ ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ፋሲካው ሞላ፣ሓለፍቲ ስራሕ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ፋሲካው ሞላ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ዝህልዎም እጃም ክትትልን ደገፍን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ።
ዴሞክራሲያውን ፍትሓውን መረፃ ንምክያድ ሓባራዊ ሓላፍነት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እጃም ሲቪክ ማሕበራት ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ሲቪክ ማሕበራት ኣብ እዋን መረፃ ዘለዎም እጃም ተዓዛቢነት ጥራሕ ዘይኮነስ ዜጋታት ንህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብሓላፍነትን ብዋንነትን ንክሰርሑ ናይ ምግባር ዓብይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ እቶም ማሕበራት ብዛዕባ ኣድላይነት መረፃ እኹል ግንዛበ ንክህልዎም ኣብ ምግባር ሓላፍነቶም ልዑል ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ንቑሕ ተሳታፊ ንክኸውን ኣብ ምብቃዕ ብትኹረት እናሰርሑ ከምዝፀንሑ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ ኢሎም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ግዛው ተስፋዬ ብግደኦም፤ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ መረፃ ብዝምልከት ብዝሰርሕዎም ፀብፃባት ሕጊ ተከቲሎም እናሰርሑ ከምዝኾኑ ክትትል እናገበረ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ እዋን መረፃ ኣብ ህንፀት ሰላም ብትኹረት ንክሰርሑ እቲ በዓል መዚ እናሰርሐ ከም ዝፀንሐን ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉን እውን ኣረጋጊጾም።