ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኩሉ ማሕበረሰብ ምዕባይ ዘኽእል ምህዳር ተፈጢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጉንቦት /12 /2018 (ኢዜኣ)፦ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ኩሉ ማሕበረሰብ ምዕባይ ዘኽእል ምህዳር ከም ዝተፈጠረ ሚኒስቴር ጉዳይ ማሕበራውን ደቂ ኣንስትዮን ገሊፁ።
ብመሰረት ግዘ ሰለዳ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ድምፂ ክዋሃበሉ ትፅቢት ዝግበረሉ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሒደት መዓልታት ተሪፎምዎ ኣለዉ።
ምዝገባ መረፅቲ እቲ ሓፈሻዊ መረፃ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ብምክያድን ብምንዋሕን ካብ 28 ለካቲት ክሳብ 24 ሚያዝያ እናተሳለጠ ድሕሪ ምፅናሑ ተዛዚሙ እዩ።
መረፅቲ "ምርጫዬ" ብዝተብሃለ ዲጂታል መተግበርን ኣብ ጣብያታት መረፃ ብኣካል ብምርካብን ልዕሊ 50 ሚሊዮንን 514 ዜጋታት ድምፂ ንምሃብ ዘኽእሎም ካርዲ መረፃ ወሲዶም እዮም።
ኣብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ 47 ተነሓናሕቲ ፖለቲካ ውድባት 10 ሽሕን 934 ሕፁያት ብምምዝጋብ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሎም ኣማራፂ ሓሳባት ፖሊሲኦም ንህዝቢ እናፈለጡ እዮም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንተዓዛብነት መረፃ ኣፍልጦ ዝሃቦም 55 ትካላት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ልዕሊ 60 ሽሕን 277 ተወከልቲ ኣዋፊሮም እዮም።
ኣብ ትምህርቲ መረፅቲ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም 169 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ነቲ መራፃይ ህዝቢ ዝተፈላላየ ትምህርቲ መዕበዪ ግንዛበ እናሃቡ ይርከቡ።
ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ማሕበራውን ደቂ ኣንስትዮን ሁሪያ ዓሊ ንኢዜኣ ከም ዝበልኦ ፤ ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ተሳትፎ መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ምርግጋፅ ዘኽእል ምህዳር ተፈጢሩ እዩ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓፈሻዊ መረፃ ንምምራፅ ዝተመዝገበ ዝለዓለ በዝሒ ህዝቢ ተሳትፎ ዜጋታት ብምዕባይ ኣሳታፍን ምችውን ሃገራዊ ኣጀንዳ ከም ዝተፈጠረ ዘመላኽት ከም ዝኾነ ገሊፀን።
ኣብቲ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምምራፅን ምምራፅን ዘረጋግፅ ማዕረ መወዳደሪ ሜዳ ከም ዝተፈጠረ ተዛሪበን።
ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ከይዲ እቲ መረፃ ንምርግጋፅ ብዝተፈላለዩ መማረፂታት ህዝቢ ናይ ምንቃሕን ምግንዛብን ስራሕቲ እናተሰርሑ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢረን።
ንኣብነት መረፃ ጣብያታት ንጉድኣት አካል ምቹዋት ክኾኑን ንቑሕ ተሳትፎ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ንምዕባይ ዘኽእል ስራሕ ተሳሊጡ እዩ።
ኣብ ቀፃሊ እቲ መረፃ ናፃ፣ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ኮይኑ ክዛዘም ብንቕሓት ክሳተፉ ከም ዝግባእ ኣረዲአን።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብቲ መረፃ ዝሳተፍሉ ኩነታት ከም ዝተፈጠረ እውን ገሊፀን።
ዜጋታት ብመሰረት ዝወሰድዎ ካርዲ መረፃ ንሃገር ይረብሕ እዩ ንዝብልዎ ፖለቲካዊ ፖርቲ ድምፂ ብምሃብ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ከም ዝግብኦም ኣገንዚበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም