ከም መረፃ ኣብ ዝበሉ ወሰንቲ ሃገራዊ ከይድታት እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ እዩ-ሚኒስትር እናትዓለም መለሰ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 12/2018(ኢዜኣ) ከም መረፃ ኣብ ዝበሉ ወሰንቲ ሃገራዊ ከይድታት እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን እናትዓለም መለሰ ገሊፀን።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያን “ንዕዉትነት ዲሞክራሲያዊ መረፃ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሓባር ዘዳለውዎ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትዓለም መለሰ፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ፣ ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ፋሲካው ሞላ፣ሓለፍቲ ስራሕ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም።



ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን እናትዓለም መለሰ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርኦ መደረ ከምዝበልኦ፤ ከም መረፃ ኣብ ዝበሉ ወሰንቲ ሃገራዊ ከይድታት እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ እዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣር፣ንቕሓት ፖለቲካ ዜጋታት ኣብ ምጥንኻርን ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉ ስርዓት ንክፍጠር ኣብ ምግባርን ዝለዓለ እጃም ኣለዎም ኢለን።
እቲ ከይዲ መረፃ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መልክዑ ብምክትታልን ብምፅብፃብን፣ሰላማዊ፣ ዲሞክራሲያዊ፣ኣሳታፍን ተኣማንን ኮይኑ ንክዛዘም ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዘለዎም እውን ሓቢረን።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እቲ ሕብረተሰብ ድሉው ኣብ ምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከም ዝፀንሐ ተዛሪቦም።



እዚ መድረኽ እውን ኣካል እዚ ከምዝኾነን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም