ኣብ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ንዕዉትነት ዲሞክራሲያዊ መረፃ ዝዝቲ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 12/2018(ኢዜኣ) “ንዕዉትነት ዲሞክራሲያዊ መረፃ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፤ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘዳለውዎ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትዓለም መለሰ፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ፣ ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ፋሲካው ሞላ፣ሓለፍቲ ስራሕ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም።
እቲ መድረኽ፤ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን መረፃ ምክይድ ሓባራዊ ሓላፍነት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ከምዝኾነ ንምግንዛብ ዝዓለመ እዩ።
ኣብዚ ከይዲ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም