ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ኣዘርባጃን ቀሊል ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኣሳን ዑደት ገይረን 

ኣዲስ ኣበባ፤ጉንቦት 11/2018 (ኢዜኣ)፦ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ጎና ጎኒ ተሳትፎ ፎረም ከተማታት ዓለም ኣብ ኣዘርባጃን ቀሊል ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኣሳን ዑደት ገይረን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያን ጎና ጎኒ ፎረም ዓለም ለኸ ከተማታት ኣብ ቀሊል ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኣዘርባጃን ኣሳን ASAN-Azerbaijan Service and Assessment Network) ዑደት ከም ዘካየዳ ሓቢረን።
እተን ከንቲባ ኣብ ዘመሓላለፋኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዋላ ኳ ዝለዓለ ለውጢ ዝመፀ እንተኾነ ሐዚ እውን ልምዲ ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉ ዛዕባታት ዘተ ከም ዝተሳለጠ ገሊፀን።



ቅድሚ 14 ዓመታት ዝተጀመረን ብመዓልቲ ብ40 ሽሕ ኣፕሊኬሽን ኣገልግልቱ ዘሰልጥን "ኣሳን"፤ ኣብ ገፀር ከባቢታት ብኣውቶብሳት ብዝውሃብ ዝተወደበ ተንቀሳቓሲ ማእኸል ኣገልግሎት ቅልጡፍን ቀሊልን ኣገልግሎት ዝህብ ከም ዝኾነ ኣመላኺተን።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 41 ማእኸላት ተሃኒፆም ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመሩ ኮይኖም፤ ካብዚኣቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ 6 ማእኸላትን 1 ተንቀሳቓሲ ኣውቶብስን ኣገልገሎት ዲጂታል ሓደ ማእኸል እናሃቡ ይርከቡ ክብላ ገሊፀን።
ኣብ እዋን እቲ ዑደት ሰራሕተኛታት “ኣሳን” ግልጋሎት ኣብ ዝህብሉ ግዘ ፍሽኽታን ትሕትናን ሓደ መለክዒ ኣገልግልት ምዃኑ፣ መከታተሊ ካሜራታት ዝተገጠሙ ምዃኖም፣ ብፅቡቕ ኩነታት ዘገልግል ሰራሕተኛ ተመዚኑ መጠን ዕግበት ተገልገለቲ ዝለዓለ እንተኾይኑ ካብ ደመወዝ ብተወሳኺ ቦነስ ከም ዝኽፈል ምዕዛብ ከም ዝኸኣላ ተዛሪበን።



ብኻልእ መንፅር በቲ መለክዒ መሰረት ዘየገልግል ሰራሕተኛ ሽዑ ንሽዑ ከም ዝባረርን ንፅባሕ ተስፋ ገይሮም ህዝቦም ብዝልዓለ ትግሃትን ኣኽብሮትን ዘገልግሉ ብርክት ዝበሉ ወለንታውያን መናእሰይን ከም ዝተመልከታ እውን ሓቢረን።
ናትና ቢሮክራሲ ብዝተጀመረ ኣግባብ ሙሉእ ንሙሉአ ከም ዝልወጥ እምነት ከም ዘለወንን እዙይ ክሳኻዕ እውን ብትግሃት ከም ዝስራሕን እውን እተን ከንቲባ ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም