ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ባኩ ዝነበሮ ዑደት ንስራሕቲ ልምዓት ከተማ፣ሕድሳትን ሓለዋ ሓድግን ዓብይ ልምዲ ዝተወሰደሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ባኩ ዝነበሮ ዑደት ንስራሕቲ ልምዓት ከተማ፣ሕድሳትን ሓለዋ ሓድግን ዓብይ ልምዲ ዝተወሰደሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 11/2018 (ኢዜኣ) ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ዝነበሮ ዑደት ንስራሕቲ ልምዓት ከተማ፣ሕድሳትን ሓለዋ ሓድግን ተወሳኺ ዓብይ ልምዲ ዝተወሰደሉ ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ባኩ ኣዝያ ፅርይትን ሰሓቢትን ከተማ ከምዝኾነት ዝገለፃ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ጥንታዊት ከተማ(The Old City) ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፋል እታ ከተማ ብጥንቃቐ ተሓዲሱ ንዑደት ክፍቲ ከምዝተገበረ ሓቢረን።
ብኻሊእ መዳይ ድማ ቅድሚ ሕዚ እታ ፀላም ከተማ (The Black City) ይበሃል ዝነበረ ኣረጊትን ዝተጎሳቖለን ስፍራ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምፍራስን ከም ብሓዱሽ ብምህናፅን፤ እታ ሓዳሽን ፅብቕትን ከተማ ፃዕዳ ከተማ(White City-Baku) ብዝብል ስያመ ጋህዲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣረዲአን።
እዚ ከይዲ ሕድሳት ከተማ ባኩ ንተሞኩሮ ኢትዮጵያ እውን ዘንፀባርቕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንሕና እውን ታሪኽናን ሓድግታትናን ሓሊና እናሓደስና፣ዝተጎሳቖሉ ከባብታት ድማ እናፍረስና ብሓዱሽ መልክዕ እናሃነፅና ኢና ንርከብ ኢለን።
ብሓፈሻ እቲ ዑደት ኣብ ኩሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ከተማን ሕድሳትን ሓለዋን ሓድግን ብዝበለፀ ኣጠናኺርና ንክንቕፅለሉ ተወሳኺ ዓብይ ልምዲ ዝተረኸበሉ ጠቓሚ ዑደት ከምዝነበረ ኣፍሊጠን።