እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ርኡይ ፋይዳ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ርኡይ ፋይዳ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 11/2018 (ኢዜኣ) መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ርኡይ ፋይዳ ከም ዘለዎ ፎረም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ከይዲ እቲ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን ኣብ ተዓዛብነት መረፃን ትምህርቲ መረፅትን ብንቕሓት እናተሳተፉ ከምዝኾኑ እውን እቲ ፎረም ሓቢሩ።
ብመሰረት ሰሌዳ ግዜ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ዝሳለጥ ሓፈሻዊ መረፃ 13 መዓልትታት ተሪፎሞ።
ዋና ዳይሬክተር ፎረም ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ጌትነት ካባ ከምዝበልዎ፤ መረፃ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘለዎም ስምዒት በዓል ዋንነት ዘረጋግፅሉ መሳርሒ እዩ።
ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን ምስ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብምትሕብባር ኣብ ተዓዛቢነት፣ስልጠናን ትምህርትን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብ መዓልቲ መረፃ እውን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብተዓዛቢነት ብምውፋር ዲሞክራሲያውነት እቲ ከይዲ ንክከታተሉ ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ዜጋታት እውን ኣብ ከይዲ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ሕገ መንግሥታዊ ናይ ምምራፅ መሰሎም ብኣግባቡ ምጥቃም ዘኽእል ትምህርቲ እናሃቡ እዮም ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ሃገር ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ከሰጋግር እዩ ኢሎም ንዝኣምንሉ ተወዳዳሪ ፓርቲ ድምፂ ንምሃብ እኹል ምድላው ክገብሩ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር ርኡይ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።