ዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ሓባራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ምትሕብባር ምጥንኻር ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
ዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ሓባራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ምትሕብባር ምጥንኻር ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 10/2018 (ኢዜኣ) ዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ምብራቕ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ሓባራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ምትሕብባር ምጥንኻር ከም ዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ኣብ ዋና ከተማ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ትኹረት ዝገበረ ላዕለዋይ ዞባዊ ፎረም ይካየድ ኣሎ።
እቲ “ምጥንኻር ዞባዊ ትካላት ዘላቒ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ንምርግጋፅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዝተዳለወ ፎረም፤ ዞባዊ መፍትሕታት ንዞባዊ ፀገማት ዝብል ኣተሓሳስባ ንምልላይ ዝዓለመ እዩ።
እቲ መድረኽ፤ ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ኢትዮጵያ፣ ማእኸል ሰላምን ፖለቲካዊ ምኽክርን፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝተዳለወ እዩ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ እቲ ፎረም ሓባራዊ ዕላማ ብምዕዋት ሰላማውን ዝተረጋግዐን መፃኢ እዋን ንምፍጣር ኣድላይ እዩ።
ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ኣድላይ ዞባታት እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ኣህጉር እውን ድልድል ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ባህልን ዕዳጋን ኣህጉራት እዩ ኢሎም።
ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጥኡን ምትእስሳር ብዝሃ ህዝብታትን ምስ ታሪኹ ተደሚሩ ኣድላይነቱ ንክዓቢ ከምዝገበሮ እውን ሓቢሮም።
ኣብዚ ብኹሎም መለክዕታት ወርቃማ ፀጋ ዘለዎ ዞባ ጎንፂ፣ ዘይምትእምማን፣ ምፍንቓል፣ ፖለቲካዊ ድኹምነት፣ ሰብኣዊ መሰል ፅልዋን ግዳማዊ ፅዕንቶን ክረአ ከምዘይብሉ እውን ኣብራህሪሆም።
ቀፃሊ ዕድል ቀርኒ ኣፍሪካ እውን ብባዕላዊ ዓቕሚ እምበር ብደጋዊ ሓይልታት ክፀሓፍ ከምዘይግባእ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ልምዓት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሃገራት እቲ ዞባ ንምጥንኻር ምትሕብባር ትካላት፣ ማሕበረሰብ፣ ሙሁራን፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ምጥንኻር ከም ዘድሊ ኣረዲኦም።
መሓዙት ምብራቕ ኣፍሪካ እውን ቀዳምነት ክህብዎም ዝግባእ ዞባዊ ልምዓት፣ ክብርን ሉኣላዊነትን፣ ሰላምን ድሕንነትን ዘረጋግፅ ደገፍ ክገብሩ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ሰላም፣ ልምዓት፣ምትሕብባርን ዞባዊ ተሳትፎን እውን ምስ ጎረቤት ሃገራት ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ምትሕብባር ብምጥንኻር ሰላም፣ ልምዓትን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ከጠናኽራ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።