ንህንፀት ጣብያ ሓይሊ ኒውክሌር ዝኸውን ምችው ከባቢ ብመፅናዕቲ ንምፍላይ ስራሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 10/2018 (ኢዜኣ) ንህንፀት ጣብያ ሓይሊ ኒውክሌር ዝኸውን ምችው ከባቢ ብመፅናዕቲ ንምፍላይ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ሓይሊ(IAEA) ብምትሕብባር ዘዳለዎን ኣብ ረቛሕታትን ቅድመ ኩነታትን መህነፂ ቦታ ሓይሊ ኒውክሌር ትኹረት ዝገበረን ዓውዲ መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ን4 መዓልትታት ዝፀንሕ ዓውደ መፅናዕቲ፤ ሰብ ሞያ እቲ ዓውድን መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።



ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ኣይተ ሽፈራው ተሊላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘለዉ ዕቤታት ቀፃልነቶም ንምርግጋፅ ዘተኣማምንን ዘላቕን ቀረብ ሓይሊ ወሳኒ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 40 ቴራ ዋት ሰዓት(TWh) ሓይሊ ከም ዘድሊ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት እቲ ድሌት ሓይሊ ናብ 77 ቴራ ዋት ሰዓት ከም ዝዓቢ ሓቢሮም።
እዚ ድሌት ሓይሊ ብኽፋል ብሓይሊ ኒውክሌር ንምሽፋን እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
እቲ ኮሚሽን ምስ ኣካዳሚ ሳይንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ጣብያ ሓይሊ ኒውክሌር ንምህናፅ ኣየናይ ከባቢ ምችው ከም ዝኾነ ንምፍላይ ዘኽእል መፅናዕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዳህሳስ መፅናዕቲ እናተዛዘመ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ዝርዝር መፅናዕትታት ተገይሮም እቲ ህንፀት ዝሳለጠሉ ትኽክለኛ ቦታ ከምዝምረፅ ኣረዲኦም።
እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መፅናዕቲ ነቲ መረፃ ቦታ ኣድላይ ኣብ ዝኾኑ ረቛሕታትን ኣካይዳታትን ጠቓሚ እታዎት ንምርካብ ከምዝሕግዝ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም