ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣሰራርሓ ሲቪል ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዘጠናኽሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምርምር እናተሳለጡ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣሰራርሓ ሲቪል ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዘጠናኽሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምርምር እናተሳለጡ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 10/2018(ኢዜኣ)፦ ዩንቨርስቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ ሲቪል ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዘጠናኽሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምርምር እናሳለጠ ከም ዝኾነ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ንጉስ ታደሰ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ዩኒቨርስቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ምርምር መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ጉባኤ ንሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንዝቕፅሉ ክልተ መዓልትታት ዝፀንሕ ኮይኑ ብዝተፈላላዩ ምሁራን ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ቀሪቦም ዘተ ከም ዝግበረሎም ተመላኺቱ።
ኣብዚ እዋን ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ንጉስ ታደሰ (ዶ/ር)፤ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ብቑዕን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዘኽእሉ ውፅኢት መፅናዕትን ምርምርን እናፈለቑ ከም ዝርከቡ ገሊፆም።
ስራሕቲ ምፍራይ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ምጥንኻር ዓቕሚ ትካላትን ድማ ኣሰራርሓ ሲቪል ሰርቪስን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይን እናደገፉ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቲ ንመበል 11 ግዘ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ ምርምር እውን ውፅኢታውነት ሲቪል ሰርቪስ ንምምሕያሽ ዝለዓለ ሓገዝ ከም ዝገብር ሓቢሮም።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ስርዓት ሲቪል ሰርቪስ ዘማዕብሉ ውፅኢት ምርምር ቀሪቦም ምኽክር ከም ዝግበረሎም ገሊፆም።
ኣብቲ ጉባኤ ዝርከቡ ውፅኢታትትን መዳርግቲ ኣካላት ዝህብዎም እታውታትን ብምውዳድ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ከም ዝግበር ኣረዲኦም።