ንዘላቒ ልምዓት እቲ ዞባ ዘተኣማምንን እዋናውን ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ምጥንኻር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 10/2018(ኢዜኣ) ንዕውትነት ዘላቒ ልምዓት እቲ ዞባ ዘተኣማምን፣ፅሬት ዘለዎን እዋናውን ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ብሓባር ምጥንኻርን ተበፃሒ ምግባርን ከም ዘድሊ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ ተዛሪቦም።
ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያን ማእኸል ትንበያ ፀባይ ኣየር በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ዝተዳለወ መበል 73 ፎረም ኩነታትን ትንታነን ፀባይ ኣየር ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ። 
ኣብቲ ፎረም ተወከልቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ሰብ ሞያ እቲ ዓውድን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተረኺቦም እዮም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደት እያ ትርከብ።
ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታት ተፈጥሮን ተቓላዒ ብምዃኑ፤ ነዚ ፀቕጢ ንምፅዋር ዘተኣማምን ልውውጥ ሓበሬታ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያዊ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ስራሕቲ እናሳለጠት ከም ዝኾነት እውን ኣረዲኦም።
ካብዞም ስራሕቲ ማእኸል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሕርሻ፣ኣብ ትንታነታት ትንበያ ኣየርን ትንበያ ሚቲዎሮሎጂን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ከም ዝርከብዎም ገሊፆም።
በዙይ ድማ ጭቡጥ ለውጥታት ከም ዝተመዝገቡ ተዛሪቦም።
ትንታነታት ትንበያ ኣየር ብዝበለፀ ተኽክለኛን ተኣማንን ንምግባር እታዎታት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ከም ዝተጠቐሙ ሓቢሮም።
ንዘላቒ ልምዓት እቲ ዞባ ዘተኣማምንን እዋናውን ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ምጥንኻር ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብተደጋጋሚ ንድርቂ፣ሃንደበታዊ ውሕጅን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ምቅልዑ ሓበራዊ ስግኣት ከም ዝኾነ ኣብቲ ፎረም ኣልዒሎም።
ስለዝኾነ እተን ሃገራት ብተናፀል ካብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ብዝተወሳኺ ብብርኪ ዞባ ቀጥታውን ሳይንሳውን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስራሕ ቅድመ መጠንቀቕታ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይግባእ ኢሎም።
ሓበሬታት ኩነታት ኣየር ምጥንኻር ሓረስቶት፣ ኣርባሕቲ እንስሳን መውፃእቲ ፖሊሲን ኣቐዲሞም ውሳነ ንከሕልፉን ኣብ ትልምታት ልምዓት ዘላቕነት ንከረጋግፁን ዓብዪ ዓቕሚ ከም ዝፈጥር እውን ገሊፆም።
እቲ ፎረም ፅባሕ እውን ከም ዝቕፅል ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም