ሉኣላዊነት ፖሊሲ ንምርግጋፅ ናይ ባዕልኻ ሓበሬታ ብባዕላዊ ዓቕሚ ምእካብን ምትንታንን ወሳኒ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 10/2018 (ኢዜኣ) ሉኣላዊነት ፖሊሲ ንምርግጋፅ ናይ ባዕልኻ ሓበሬታ ብባዕላዊ ዓቕሚ ምእካብን ምትንታንን ወሳኒ እታዎት ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንነፃነት ፖሊሲ”ኣብ ዝተብሃለን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ሉኣላዊነት ስታቲስቲክስ  ዘመዝገበቶ ዓብይ ዓወት ዝተበሰረሉን ሃገራዊ ጉባኤን ኤግዚቢሽንን ተረኺበ ዝተዓዘብኩዎ ፀብለልታ እቲ ዓውዲ ኣዝዩ ዘሐጉስ ኮይኑ ረኺበዮ ኢሎም።



ሓበሬታ ስትራቴጂካዊ ሃፍቲ እዚ ዘበንን ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ዝህነፀሉን ቁልፊ ዓምዲ ሉኣላዊነት እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተለቅሐ ወይ ድማ ኣብ ደጋዊ ኣካላት ፅግዕተኛ ዝኾነ ሓበሬታ ሃገራዊ ባህግና ምዕዋት ኣየኽእልን ክብሉ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ሉኣላዊነት ፖሊሲ ንምርግጋፅ ናይ ባዕልኻ ሓበሬታ ብባዕላዊ ዓቕሚ ምእካብን ምትንታንን ወሳኒ እታዎት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ልዕሊ ኹሉ፤ ስራሕ ኣተኣኻኽባን ትንተናን ሓበሬታ ብፍልጠትን ክእለትን ደቂ ሃገር እንትሳለጥ ምርኣይ ዓብይ ሃገራዊ ኩርዓት እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ሓበሬታ ዘለና ትኹረት ብቁፅሪ ኣብ ዝግለፁ ውፅኢታት ጥራሕ ዘይኮነስ ‎ሰብ ተኮር ኣብ ዝኾኑን ኣብ ሂወት ዜጋታት ኣብ ዝረኣዩን ዝጭበጡ ለውጥታት ክኸውን ክብሉ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም