ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ንዝምዝገብ ዕብየት መሰረት ዝኸውን ሉኡላዊ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት እናሃነፀት እያ

ኣዲስ ኣበባ፤ጉንቦት 10/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ንዝምዝገብ ዕብየት መሰረት ዝኸውን ሉኡላዊ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት እናሃነፀት ከም ዝኾነት ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም።
“ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንነፃነት ፖሊሲ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።



ኣብቲ መድረኽ መብርሂ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ንዝምዝገብ ዕብየት መሰረት ዝኸውን ሉኡላዊ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት እናሃነፀት እያ ኢሎም።
ከም ግብርና፣ ጥዕና፣ ፋይናንስ፣ ትምህርትን ኢነርጂን ዝበሉ ሕድሕድ ዓውድታት ኣብዚ እዋን ብሃገር ቦቆል ቴክኖሎጂ ክላውድ ዝቀነባበሩ፣ ብሃገር ውሽጢ ዝምርሑን ብቋንቋታት ኢትዮጵያ ምርድዳእ ንዝኽእሉ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ እታዎት ዝኾኑን ተግባራዊ ፍልፍል ሓበሬታ ኮይኖም እዮም ኢሎም።
“ናይ ባዕልና ሓበሬታ ተዘይሃልዩና ናትና ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ጓና ይኸውን፤ ናይ ባዕልና ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ተዘይሃልዩና ሓበሬታት ይባኽኑ እዮም” ክብሉ እውን ኣብራህሪሆም።
‎"ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030" ነዚ ክፍተት ንምምላእ ዝተቐረፀ ብሄራዊ ስትራቴጂ እንትኸውን፤ እዙይ ድማ ሉኣላዊ ማእኸል ክላውድ ዳታ፣ ብሄራዊ ሌክ ሃውስ ዳታን ከምኡ እውን ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ትግርኛን ሶማሊኛን ዝሰልጠነን ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሃገር ውሽጢ ዝምራሕን ሃገር ቦቆል ሞዴል ላርጅ ላንግዌጅ ዘካተተ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን ብዓለም ለኸ ብርኪ ቀዳሞት እናኾኑ ዘለዉ ሃገራት ሓበሬታቶም ናብ ኣፍራይነትን ናብ ሓዱሽ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚን እናለወጡ ዘለዉ እዮም ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ሐዚ  ኢትዮጵያ ነዚ መሰረት ኣብ ምህናፅ እያ ትርከብ ምባሎም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም