ኣብ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ትኹረት ዝገበረ ፎረም ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ትኹረት ዝገበረ ፎረም ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 10/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ትኹረት ዝገበረ ፎረም ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ፎረም፤ “ዘላቒ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ምጥንኻር ዞባዊ ትካላት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ ፎረም፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ ወርቅነህ ገበየሁ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ላዕለዎት ኣመራርሓን መራሕቲ ማሕበረሰብን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ዞባዊ መፍትሕታት ንዞባዊ ፀገማት ዝብል ኣተሓሳስባ ምልላይ ዋና ዕላምኡ ዝገበረ እቲ ፎረም፤ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ፣ ማእኸል ሰላምን ፖለቲካዊ ምኽክርን(CRPP)፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ሶማሌን ካልኦት መሓዙትን ዘዳለውዎ እዩ።
እቲ ዞባዊ ፎረም፤ ክሳብ 12 ግንቦት 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ እዩ።