ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝምራሕ ሉኣላዊ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ኢንተለጀንስ እናተሃነፀ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 10/2018 (ኢዜኣ) ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝምራሕ ሉኣላዊ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ኢንተለጀንስ እናተሃነፀ ከምዝርከብ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ሜሮን ከፈለው (ዶ/ር) ገሊፀን።
“ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንነፃነት ፖሊሲ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።



ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ሜሮን ከፈለው (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ብዛዕባ ብሄራዊ ስርዓት ስታቲስቲክስ እታ ሃገር ዝገበሮ ዲጂታል ኣሰራርሓ መብራህርሂ ሂበን።
እቲ ትካል ካብ ዝተበታተነን ብኢድን ወረቐትን ዝሰርሕን ኣሰራርሓ ወፂኡ ብኮምፒውተር ዝተደገፈ ስርዓት ቃለ መሕትት ውልቀ፣ሰንሲንግ ሪሞት፣መሰረተ ልምዓት ከምኡ እውን ምስ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ(ኢንሳ) ብምትሕብባር መድረኽ መከታተሊ ቆፀርቲ ውሽጢ ሃገር ብምጥቃም ናብ ሙሉእ ዲጂታልን ሃንደበታዊ (Real-time)ን ስነ ምህዳር ስታቲስቲክስ ከምዝተሰጋገረ ኣብራህሪሀን።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ብዘይ ምውሳን ብ26 ብብርኪ ሃገር ዝተረኸቡ ጨንፈራት፣ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዝምራሕ ማእኸል ሓበሬታ መፅናዕትን ቆፀራን ከምኡ እውን ብዘበናዊ መሰረተ ልምዓት እምነት ብዝግበረሎም ስልትታትን ብቕዓት ኣብ ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ኢትዮጵያውያንን መሰረት ዝገበረ ግልፂ ፍኖተ ካርታ ዝሓዘ ሉኣላዊ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ኢንተለጀንስ እናሃነፀት ከምዝኾነት ምግላፀን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም