ብመንግሥቲ ብዝተወሰዱ ቆራፅ ስጉምትታት ሉኣላዊነትን ነፃነት ፖሊሲን እታ ሃገር ዘረጋግፅ ስርዓት ሓበሬታ ምህናፅ ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስትር ፍፁም ኣሰፋ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 10/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ብዝወሰዶም ቆራፅ ስጉምትታት ሉኣላዊነትን ነፃነት ፖሊሲን እታ ሃገር ዘረጋግፅ ስርዓት ሓበሬታ ምህናፅ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።
“ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንነፃነት ፖሊሲ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።



ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ቅድሚ ሕዚ እቲ ሃገራዊ ስርዓት ሓበሬታ ኣብ ባዕላዊ ዓቕሚ መሰረት ዘይገበረን ኣብ ደጋዊ ደገፍ ፅግዕተኛ ዝኾነን ከምኡ እውን ሕቶታት ተኣማንነት ዝለዓልሉ ከምዝነበረ ሓቢረን።
ካብዚ ንምልቓቕ ብዝተገበሩ ቆራፅ ስጉምትታት ኣፈፃፅማ ሪፎርም ሃገር ቦቆል ኢኮኖምን ትልሚ 10 ዓመት ልምዓትን ምክትታል ዘኽእሉ ከም ዝተዋደደ መፅናዕቲ ቤተሰብ፣ መባፅሒ ቱሪዝምን ቆፀራ ትካላት ንግድን ዝበሉ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲ ዳህሳስ ብምግባርን ብዲጂታል ስርዓት ብምምዕባልን ከምኡ እውን ንልምዓት ሓበሬታ ልዑል ኢንቨስትመንት ብምግባር ኣተሓሳስባ መደመር ‎መሰረት ዝገበረ ኣመራርሓ ሓበሬታ ተኮር ፖሊሲን ውሳነ ወሃብነትን ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።
ከምዚ ዓይነት ውፅኢት ሓበሬታ፤ ሓበሬታታት ብኢትዮጵያውያን ንክእከቡን ንክትንተኑን ብምግባር ሉኣላዊነትን ነፃነት ፖሊሲን እታ ሃገር ዘረጋግፅ እዩ ኢለን።
ብሄራዊ ረብሓ፣ ድሕንነት ዜጋታትን ትልምታት ልምዓትን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ብምህናፅ ካብቲ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ወሃብነት ምላሽ ናብ ቅድመ ትንብያ ምስግጋር ዘኽእል ዘላቒ ትካላዊ ዓቕሚ ከምዝተፈጠረ ምግላፀን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሩ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም