“ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንነፃነት ፖሊሲ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
“ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንነፃነት ፖሊሲ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 10/2018 (ኢዜኣ) “ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንነፃነት ፖሊሲ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ትልምታት ልምዓታ ከምኡ እውን ዓወታታ ብሓበሬታን ኣሃዝን መረዳእታ ምስናድ ካብ ትጅምር ከም ዝፀንሐት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
እዚ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ብካልኦት ኣብ ዝድገፉን ብዝተበታተኑን ማእኸላት ሓበሬታ ዝነበራ ሙሉእ ፅግዕተኛነት ንምፍታሕ ዘርኣየቶ ልዑል ቆራፅነት መረጋገፂ ከምዝኾኑ ኣመላኺቱ።
እዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ሉኣላዊነት ሓበሬታ እታ ሃገር ብተግባር ብምርግጋፅ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ባዕላ ሓበሬታ መሰረት ገይራ ንክትውስንን ናይ ባዕላ መስመር ልምዓት ንክትትልምን ኣኽኢሉዋ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጉባኤ ጉዕዞ ልምዓት ስታቲስቲክስን ሉኣላዊነት ሓበሬታን ኢትዮጵያ ዘምፅኦም ዓወታትን ቀፃሊ ኣንፈታትን ብዕምቆት ከም ዝድህሰሱ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።