ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቆራፅነት መንግሥቲ ዝተርኣየሉ ታሪኻውን ስትራቴጂካውን ስጉምቲ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቆራፅነት መንግሥቲ ዝተርኣየሉ ታሪኻውን ስትራቴጂካውን ስጉምቲ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 8/2018(ኢዜኣ) ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቆራፅነት መንግሥቲ ዝተርኣየሉ ታሪኻውን ስትራቴጂካውን ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ዘውፅኦ ሙሉእ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ኢትዮጵያ እናመኸረት እያ!!
ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቆራፅነት መንግሥቲ ዝተርኣየሉ ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ናይ ምንባር ታሪኻውን ስትራቴጂካውን ስጉምቲ እዩ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ምልመላ ተወከልቲ ብዓወት ብምዝዛምን ንሃገራዊ ዘተ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ብሰፊሑ ብምትእኽኻብን ንሓቛፍን ዘላቕን ምርድዳእ ዝኸውን ጠንካራ ስራሕ ቅድመ ምድላውን ኣሳሊጡ እዩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ኩሎም ብርክታት ምምሕዳር እታ ሃገር ዝርከቡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንምፍላይ ብዝገበሮ ፃዕሪ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ውድባት ፖለቲካ፣ሲቪክ ማሕበራትን ዝተፈላለዩ ማሕበራት ሞያን ብንቕሓት ንክሳተፉ ብምግባር እቲ ከይዲ ሓቛፍን ህዝባውን መሰረት ዘለዎ ንክኸውን ተገይሩ እዩ። እዚ ተግባር መንግሥቲ ንዕዉትነት ከይዲ እቲ ምኽክር ዝሃቦ ትኹረትን ስምዒት በዓል ዋናነት ዜጋታትን ብተግባር ዘረጋገፀ እንትኸውን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር እውን ጠንካራ መሰረት ኣንቢሩ እዩ።
ኣብ ከይዲ እቲ ምእካብ ኣጀንዳ እውን ዝጭበጡ ውፅኢታት ዝተመዝገቡ እንትኸውን ንዘበናት እናተጠራቐሙ ዝፀንሑ ህፁፃት ሃገራዊ ጉዳያት ናብ ጠረጴዛ ንክመፁ ኣኽኢሉ እዩ። እዚ ከይዲ መንግሥቲ ኣብ ባህሊ ፖለቲካ እታ ሃገር ስርዓት መድብለ ፓርትን መንገዲ ሰላማዊ ዘተን ንክቕድም ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብተግባር ዘርኣየሉ እዩ።
ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ልዕሊ 50 ውድባት ፖለቲካ ንክሳተፉን ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ ንከቕርቡን ዝተገበረ ፃዕሪ ሓቛፍነት እቲ ኮሚሽን ካብ ዘርእዩ ዓወታት እቲ ዋና እዩ። እቲ ኮሚሽን ሓይልታት ፖለቲካ ዝዝትይሉ መድረኽ ብምምችቻው ቅድሚ ሕዚ ብፀላእነት ይረኣኣዩ ዝነበሩ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ንክዝትዩ ገይሩ እዩ።
እዚ ውፅኢት ኣብ ከይዲ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ እታ ሃገር “ባህሊ ምድምማፅ” ኣብ ምምዕባል ከም ዓብይ ምዕራፍ ዝውሰድ እንትኸውን ኣፈላላላይ ብልዕልና ሓሳብ ንምፍታሕ ዘኽእል ተስፋ ዝህብ ጅማሮ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ።
እቲ ምኽክር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበሮ ጉዕዞ ዝተሳለጡ ዝጭበጡ ስራሕትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ኢትዮጵያ ዝፀንሑ መዋቕራዊ ፀገማታ ብዘላቕነት ንምፍታሕን ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ንምርግጋፅን ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ዘቀላጥፉ እዮም።