ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ሮማኒያ ዳቺያን ቺዮሎሽ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ሮማኒያ ዳቺያን ቺዮሎሽ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 7/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሮማኒያን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ናይ ሕዚ ፕሬዚዳንት እታ ሃገርን ዳቺያን ቺዮሎሽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስቶም ላዕለዋይ ኣማኻሪ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር ዘተ ድሕሪ ምግባሮም መልእኽቲ ፕሬዚዳንት ሮማኒያ ካብቶም ላዕለዋይ ኣማኻሪ ተቐቢሎም።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ሮማኒያ ዳቺያን ቺዮሎሽ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ንሮማኒያ ኣዝያ ወሳኒት መሓዛ እያ።
ሎሚ ዓመት ሮማኒያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ዝኸፈተትሉ መበል 60 ዓመት ከም ተኽብር ብምግላፅ፤ እዚ ኣጋጣሚ ነቲ ዝፀንሐ ምሕዝነት ዳግማይ ንምንቕቓሕን ቀፃሊ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዓብይ መሰረት ከም ዝኸውን ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ 10ታት ዓመታት ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ኣብ ሮማኒያ ላዕለዋይ ትምህርቶም ናይ ምክትታል ዕድል ከምዝረኸቡ ብምሕባር፤ እዚ ባህሊ ብምጥንኻር ሓደሽቲ ዕድላት ትምህርቲ ንምፍጣር ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግድን ኢኮኖምን ንምዕባይ ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ኣብ ፖለቲካዊ ዓውድታትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብሓባር ምስራሕ ከምኡ እውን ኣብ ዩኒቨርሲቲታትን ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሞያን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ዋና ዋና ዕላማታት እቲ ዑደት ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
እቶም ኣማኻሪ ንኣዲስ ኣበባ ቅድሚ 12 ዓመት ከምዝጎብነይዋ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ከተማ ዝተርኣየ ቅልጡፍ ለውጥን ዕቤትን ከምዘገረሞም ተዛሪቦም።
“እታ ከተማ ኣብዞም ውሑዳት ዓመታት ዘመዝገበቶ ዕቤት ኣዝዩ ዘገርም እዩ፤ እታ ከተማ ምፍላጥ ክሳብ ዝኣብየኒ እያ ተለዊጣ”ክብሉ እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ልዑል ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ብምእታው ሮማኒያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ይኹን ካልኦት ዓውድታትን ልምዓት ሓቃውን ጠንካራን መሓዛ ኢትዮጵያ ኮይና ንምቕፃል ድሌት ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ንንግዲ ወፃእን ኢንቨስትመንትን ክፍቲ ዝገበረቶም ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ንሰብ ሃፍቲ ሮማኒያ ምችው ዕድል ከምዝፈጥሩ እውን ኣረዲኦም።