ስግኣታት ኩነታታት ፀባይ ኣየር ንምፅዋር ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ መሰረት ዝገበረ ቅድመ ምድላው ምግባር ይግባእ- ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ስግኣታት ኩነታታት ፀባይ ኣየር ንምፅዋር ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ መሰረት ዝገበረ ቅድመ ምድላው ምግባር ይግባእ- ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)
ኣዳማ/ግንቦት 7/2018(ኢዜኣ) ስግኣታት ኩነታታት ፀባይ ኣየር ንምፅዋር ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ መሰረት ዝገበረ ቅድመ ምድላው ምግባር ከም ዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ግምገማ ትንበያ እዋን ፅድያን ትንበያ ኩነታት ፀባይ ኣየር መፃኢ ክረምትን ዕላዊ ንምግባር ዘዳለዎ መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን መነባብሮ እቲ ማሕበረሰብን ምስ እዋናዊ ኩነታት ፀባይ ኣየር ብቀጥታ ዝተኣሳሰረ እዩ።
እቲ ኢንስቲትዩት ንማሕበራዊ፣ኢኮኖሚን እቲ ሕብረተሰብን ዝውዕሉ ኣገልግሎታት ትንበያ ሚቲዎሮሎጂን ቅድመ ጥንቃቐን ኣብ እዋኑን ብብቕዓትን ናይ ምዝርጋሕ ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን ትንበያ መፃኢ ክረምቲ ዕላዊ ዝግበረሉ ስለዝኾነ ሓረስቶትን ኣርባሕትን፣ ትካላት ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ፣ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ካልኦት ዓውድታት ልምዓትን ቀዲሞም ንምድላው ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ድማ ስግኣታት ኩነታታት ፀባይ ኣየር ንምፅዋር ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ መሰረት ዝገበረ ቅድመ ምድላው ምግባር ኣድላይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ ብግደኦም፤ እቲ ትካል ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር፣ተቓላዕነት ሓደጋ ንምፅዋርን ቀዲምካ ብምትንባይ ድሌት ዓማዊልን መዳርግቲ ኣካላትን ንምምላእን ብትግሃት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
እቲ ኢንስቲትዩት ትንበያ መዓልታዊ ኩነታት ኣየር ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ትንበያ ናይ ነዊሕ እዋን ፀባይ ኣየር ብምትንታንን ብምግምጋምን ንዝተፈላለዩ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ኣገልግሎት ቅድመ ምድላው ኣብ እዋኑን ብብቕዓትን ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።