መናእሰይ ከተማ ጎንደር ንፓርቲ ብልፅግና ዘለዎም ደገፍ ብህዝባዊ ሰልፊ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 7/2018(ኢዜኣ) መናእሰይ ከተማ ጎንደር 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ምኽንያት ብምግባር ንፓርቲ ብልፅግና ዘለዎም ደገፍ ብህዝባዊ ሰልፊ ገሊፆም።
ክብሪ ኢትዮጵያ ንምብራኽ፣ኣማራፅታት በሪ ባሕሪ ንምስፋሕን ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ጋህዲ ንምግባርን ዝተጀመረ ጉዕዞ ኣብ ጠንካራ መሰረት ከምዝርከብ እቶም መናእሰይ ኣብቲ ሰልፊ ሓቢሮም።



ብልፅግና ምምራፅ ማለት ፍትሒ ዝተረጋገፀላ፣ዲሞክራሲ ዝፀንዐላን ኩርዓት ዜጋታት ዝተሓደሰላን ሃገር ናይ ምህናፅ ታሪኻዊ ዕድል ምጥቃም ማለት እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተርኣዩ ውፅኢታት ናይ ፅባሕ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምህናፅ መበገስታት እዮም ምባሎም እውን ኣሚኮ(ኣማራ ሚድያ ኮርፖሬሽን) ኣመላኺቱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም