ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለምን ዲያስፖራን ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 7/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለምን ዲያስፖራን ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዚምባቡዌ፣ ዛምቢያን ሞሪሽየስን ከምኡ እውን ቀዋሚ ተፀዋዒ ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ(ኮሜሳ) ረሽድ መሀመድ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ረሽድ መሀመድ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብዘይ ፍትሓዊ መንገዲ ካብ ታሪኻዊ፣ መልክኣ ምድራውን ሕጋውን በሪ ባሕራ ንክትግለል ተገይሩ እዩ።
ኢትዮጵያ ብኣንፃር ተመዝግቦ ዘላ ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚን በዝሒ ህዝብን በበዓል ዋንነት እተመሓድሮ፣ ኣታውን ወፃእን ንግዳ እተሳልጠሉ ዘተኣማምን በሪ ባሕሪ ከምዘድልያ እውን ኣረዲኦም።
ብመልክኣ ምድርን ኣቀማምጣን እውን ኣብ ቀረባ ርሕቐት ቀይሕ ባሕሪ ስለትርከብ ካብ ዋንነት በሪ ባሕሪ ክትንፀል ከምዘይብላ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ታሪኻዊ፣ ሕጋዊ፣ መልክኣ ምድራውን ፍትሓውን ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ዚምባቡዌ፣ ዛምቢያ፣ ሞሪሽየስን ኮሜሳን ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ እውን ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ናእዳን ኣፍልጦን እናተውሃቦ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ብመተሓባበሪነት እቲ ኤምባሲ እውን ኣብ ዚምባቡዌ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እናተኻየደ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ዘጠናኽር ስራሕ ዲፕሎማሲ እናተሳለጠ ከምዝርከብ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም