ባህሊ ምኽክር ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ሃገራት ኣዝዩ ኣድላይ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 7/2018 (ኢዜኣ) ባህሊ ምኽክር ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ሃገራት ኣዝዩ ኣድላይ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከይዲ ምኽክር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንቕድሚት ንክጎዓዝ ብትዕግስትን ብዝለዓለ ሞያዊ ስነ ምግባርን ብምስላጥ ኣብዚ ሕዚ ዝበፅሖ ብርኪ ንዘብፅሕዎ ኩሎም ኮሚሽነራት ኣመስጊኖም።



ባህሊ ምኽክር ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ሃገራት ኣዝዩ ኣድላይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንህንፀት ጠንካራ ባህሊ ሲቪክ ማሕበረሰብ ዝተዋደደ ልምምድ ባህሊ ዝርርብን ሓባራዊ ስኹን ምድምማፅን ግድን እዩ ኢሎም።
እቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ከይዲ ኣብ ማሕበረሰብና በቢ ብርኩ ንምድምማፅ ልዑል ረብሓ ዘርኣየ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ከይዲ ኣመለኻኽታታትን ውፅኢታት ዘተን ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ሃገርና ዝርከቡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ኢትዮጵያውያን ዘንፀባረቐ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ንሃገር ወሳኒ ፋይዳ ዝሓዘ ምዕራፍ እቲ ምኽክር ጭቡጥ ውፅኢት ናብ ዝርከበሉ ቀፃሊ ምዕራፍ ኣብ ዝሰጋገረሉ እዚ እዋን፤ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሰላም፣ ሓድነትን ዘላቒ ምርግጋዕን ሃገርና ዘረጋግፅ ፅኑዕ ቅዋምን ሃናፂ ብዝኾነ መንገድን ኣስተዋፅኦ ንክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም