ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ፀብፃብ ኣፈፃፅምኡ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 7/2018 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸብሉ ፀብፃብ ኣፈፃፅምኡ ኣቕሪቡ።
እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ዘሳለጦም ዓበይቲ ስራሕቲ፣ ዘጋጠምዎ ፈተናታትን ዘቐመጦም መፍትሕታትን ዘቕረበ እንትኸውን፤ እቲ ከይዲ በቲ ዝተሓሰበሉ ልክዕ ንምስላጥ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ዝግበሩ እጃማት እውን ኣቐሚጡ።



ኣብቲ ፀብፃብ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተመዝገቡ ዓወታት ሓቛፍን ኣሳታፍን ዝኾነ ምፍላይ ተሳተፍቲ ምኽክር ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ እውን 93 ሚኢታዊ እታ ሃገር ዝሸፈነን ኣብ 1 ሽሕን 234 ወረዳታት ዝተኻየደን ዕዉት ስራሕ ምእካብን ምፍላይን ኣጀንዳ ምዝዛሙ ከም ሓደ ዓወት ተፀሪሑ።
ብካሊእ መዳይ እቲ ኮሚሽን ዋላ ኳ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ንምዝታይ 22 ግዜ ፃዕሪ እንተገበረ ብዘሎ ምችው ዘይኮነ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ምኽክር ክገብር ከምዘይኸኣለ ገሊፁ።
 ነዚ ዕንቅፋት ምላሽ ንምሃብ ድማ ካብ መላእ ትግራይ ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዝርከቡ ተወለድቲ እቲ ክልልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምእካብ ስራሕ ምእካብን ምፍላይን ኣጀንዳ ከምዘሳለጠ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀፃሊ ምዕራፍ ምኽክር ዘሳልጦም ስራሕቲ እውን ብዝርዝር ኣቐሚጡ።
ስለዝኾነ ድማ ተሳትፎ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ምጥንኻር፣ ኣጀንዳታት ሃገራዊ ምኽክር ምድላውን ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ምክያድን እቶም ዋና ዋና ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ እውን ተፈፃምነት ብብርኪ ሃገር ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐሎም ውፅኢታትን ምክረ ሓሳባትን ምምችቻው ዝብሉ ስራሕቲ ቀፃሊ ስራሕ እቲ ኮሚሽን ከምዝኾኑ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም