ባህላዊ ፀጋታት ኢትዮጵያውያን ሕድ ሕዳዊ ርክብ ብምጥንኻር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ባህላዊ ፀጋታት ኢትዮጵያውያን ሕድ ሕዳዊ ርክብ ብምጥንኻር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 6/2018(ኢዜኣ) ባህላዊ ፀጋታት ኢትዮጵያውያን ሕድ ሕዳዊ ርክብ ብምጥንኻር ንዘላቒ ልምዓት ሃገር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን “ልምዓት ባህሊ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 6 ክሳብ 10 ግንቦት 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ሃገራዊ ቅነ ባህልን ቋንቋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ቅነ ባህልን ቋንቋን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ምትእስሳርን ምልላይን ባህሊ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጥንኻር ዓሊሙ ዝተዳለወ እዩ።
ኣብቲ ቅነ ባህልን ቋንቋን ባህላዊ ኣልባሳት፣ምግብታት፣ ውፅኢታት ኢደ ጥበብ፣ መግለፅታትን ፀጋታትን ባህሊ ንምርኢት ክፍቲ ከምዝኾኑ ሓቢረን።
ባህልታት ኢትዮጵያ መሰረት ሕብረት፣ ሓድነትን ሓባራዊ ምርድዳእን ህዝቢ እዮም ኢለን።
ፀጋታት ኢትዮጵያውያን እውን ሕድ ሕዳዊ መስተጋብር ብምጥንኻር ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝርከቡ ተዛሪበን።
ሓድነትን ምትእስሳርን ህዝብታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ልምዓት ባህሊ ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ ኣብራህሪሀን።