ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትየን

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 6 /2018 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ሮናልድ ላሞላ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትዮም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ህንዲ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ኣብ ዝጀመረ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ብሪክስ ይሳተፉ ኣለዉ።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ሮናልድ ላሞላ ዘትዮም። 
እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ጠመተ ዝገበረ እንትኸውን፤ እቶም ሚኒስትራት ኣብ ልዕሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም ብሓባር ንምፍታሕ ከም ዝተስማዕምዑ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም