ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ መበል 29 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን መሪቐን

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 6/2018(ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ መበል 29 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ እታ ከተማ ሰሓቢ ምስሊ ካብ ዘላብሱ ውፅኢታት ልምዓት ብተወሳኺ ውፅኢታዊ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ እዮም ኢለን።



ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ንኣገልግሎት ዝበቕዐ መበል 29 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ሓዊሱ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ልምዓት ጋህዲ ከምዝኾኑ ሓቢረን።
ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፀ ማእኸል ምገባ እውን ዓቕምን ተበፃሕነትን ኣገልግሎት ብምስፋሕ ጠዋርን ደጋፍን ንዘይብሎም ሰብ ውዕለታ ሃገር ተረባሕቲ ከምዝገብር ኣረዲአን።
ባንኪ ዳሽን ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ኣብ ሰፈር በጎነት መበል 29 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ብምህናፅ ንዘርኣዮ ቆራፅነት እውን ምስጋና ኣቕሪበን።
ኣብ ቀረባ እዋን ክልተ ማእኸላት ምገባ ናብ ኣገልግሎት ከምዝኣትዉ እውን ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም