ስነ ስርዓት ቀብሪ ኮሚሽነር ዘገየ ኣስፋው ኣብ ቅድስት ሥላሴ ካቴድራል ተፈፂሙ - ኢዜአ ትግርኛ
ስነ ስርዓት ቀብሪ ኮሚሽነር ዘገየ ኣስፋው ኣብ ቅድስት ሥላሴ ካቴድራል ተፈፂሙ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 6/2018 (ኢዜኣ) ስነ ስርዓት ቀብሪ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዝነበሩ ዘገየ ኣስፋው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ካቴድራል ተፈፂሙ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፣ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሬፌሰር መስፍን ኣርኣያ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ተረኺቦም።
ኮሚሽነር ዘገየ ኣስፋው ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓላፍነት መንግሥቲ ከምኡ እውን ብሰብኣዊ ኣገልግሎት ሃገሮም ብተኣማንነት እናገልገሉ ዝፀንሑ ከምዝኾኑ ታሪኽ ሂወቶም የረድእ።