ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 6/2018 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ህንዲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ብሪክስ ይሳተፉ ኣለዉ።
እቶም ሚኒስትር ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኒው ዴልሂ ዘትዮም።



እቲ ኣኼባ ብኣካቢነት ህንዲ “ፈጠራ፣ምትሕብባርን ዘላቕነትን ምህናፅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ንኩለን ሃገራት ብፍትሓዊነት ዘገልግል ዓለም ለኸ ስርዓት ንምህናፅ ዝተዋደደ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ኣድላይ እዩ።



ብሪክስ ንሰላምን ምርግጋዕን ከምኡ እውን ንፍትሓውን ዝተረጋግዐን ዓለም ለኸ ስርዓት ዓምድታት ንዝኾኑ ሓባራዊ ድሕንነትን ልምዓትን ግንባር ቀደም ኣስተዋፅኦ ከበርክት ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ኣኼባ ክሳብ ፅባሕ ከምዝፀንሕ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም