ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሃገር ዝወፁ ሓድግታት ኢትዮጵያ ብዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንክምለሱ እናተገበረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 6/2018(ኢዜኣ) ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሃገር ዝወፁ ሓድግታት ኢትዮጵያ ብዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ መንግሥቲ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ እናተገበረ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ገሊፆም።
ኣብ ኢንግሊዝ ዝነበሩ ሓድግታት ኢትዮጵያ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።
እቶም ሓድግታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው፣ኣሉላ ፓንክረስት (ዶ/ር)ን ተተካእቲ ሓርበኛታትን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።



ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሃገር ዝተወሰዱን ዝተሰረቑን ሓድግታት ኢትዮጵያ ብዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ መንግሥቲ ንክምለሱ እናተገበረ እዩ።
ሎሚ መዓልቲ እውን ሓድግታት ናይ ሃፀይ ቴድሮስ ናይ ኢዶም ኣምባር ወርቂ፣ንእሽተይ ቁናኖ ፀጉሮምን ቁራፅ ሸሚዝን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ኣረዲኦም።
መንግሥቲ ብዝገበሮ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ብዝተገበረ ስምምዕ እቶም ሓድግታት ናብ ኢትዮጵያ ንክምለሱ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ብምትሕብባር ትካላት ኢትዮጵያን ኢንግሊዝን ዝተረኸበ ውፅኢት ዲፕሎማሲ እዩ ኢሎም።
እቶም ሓድግታት ኣብ ዝተዳለወሎም ሙዜም ብኽብሪ ብምቕማጥ ዜጋታት ታሪኽን መንነትን ንክርድኡ ከምዝግበር ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተወሰዱ ሓድታት ንምምላስ ዝግበሩ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም