ኢትዮጵያ መርኣያ ርክብ በዓል ብዙሕ ወገንን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን እያ-ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018 (ኢዜኣ) ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ምትሕብባርን በዓል ብዙሕ ወገን ርክብን ዘለዋ ቆራፅነትን ኣርኣያነትን ንኢዶም።
ኢትዮጵያ ጉዕዞ 80 ዓመታት ውሕመ ምኽንያት ብምግባር “ብሰላም ሓቢርካ ንምንባር” ብዝብል መሪሕ ቃል ፍሉይ እኽብካብ መዘከርታ ቴምብር ኣውፂኣ።



ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ፍፃመ ስለዘዳለውዎን ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዝገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላን ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቲ ፍሉይ መዘከርታ ቴምብር መበል 80 ዓመት ምስረታ ውሕመ ካብ ምዝካር ብተወሳኺ ውሕመን ኢትዮጵያን ንዘለዎም ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1945 ውሕመ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ እንትጣየሸ እቲ ቻርተር ካብ ዝፈረማ 51 ሃገራት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ኣዘኻኺሮም።



ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን መርኣያ ርክብ በዓል ብዙሕ ወገንን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ኮይና ከምዝቐፀለት እውን ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ ጥንታዊ ስልጣነ እትውክል ሃገር እያ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ እናመዝገባ ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ጠንካራ መሰረት ታሪኽ ዘለወን ሃገራት መፃኢአን ጠንካራን ብሩህን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መብዛሕቲአን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ገዛእቲ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ኢትዮጵያ ነፃነታ ሓልያ ዝፀንሐት ሃገር ከምዝኾነት ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ውፅኢት ጥንታዊ ስልጣነኣ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነፃ ድሕሪ ምውፅአን ኣባል ውሕመ ንክኾና ደገፍ ከምዝገበረት እውን ኣዘኻኺሮም።
ዋና መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ. ኣብ ኣፍሪካ ዝለዓለ በዝሒ ትካላትን ሰራሕተኛታትን ውሕመ ካብ ዝሓዛ ከተማታት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ኣብራህሪሆም።
መኽበርቲ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ውሕመ ኣብ ልኡኽቶታት ምኽባር ሰላም ወሳኒ እጃም ከምዘበርከቱ ብምግላፅ፤ ኣብ ዓለም ሓደገኛን ኣስጋእትን ናብ ዝበሃሉ ቦታታት ብምኻድ መስዋእቲ ብምኽፋል ንሰላምን ምርግጋዕን እጃሞም ንዝተዋፅኡ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ውሕመ ምስ ኢትዮጵያ ብቅዋም ሓባራዊ ምክብባር ምትሕብባሩ ምጥንኻር ከምዝደልን ምሕዝነቱ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነን እውን ኣመላኺቶም።
ሽቶ ውሕመ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምግልጋልን ስትራቴጂታት መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንክዕወቱ ምድጋፍን እዩ ኢሎም።
ውሕመ ንኢትዮጵያ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን፣ ልምዓት፣ ቀረብ ሰብኣዊ ደገፍን ህንፀት ዓቕሚ ትካላትን ምድጋፉ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።
ውሕመ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ፍትሓዊ ስርዓት ምምሕዳር ዓለም ንክረጋገፅ ዘለዎም ፃውዒት ከም ዝድግፍን ንዕዉትነቱ እውን ከምዝሰርሕን እውን ተዛሪቦም።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ መመሓየሺ ብምግባር እዋናዊ ኩነታት ዓለም ንከንፀባርቕን ኣብ ኣፍሪካ ዝበፅሑ ታሪኻዊ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክከሓሱ ከምዘለዎምን ገሊፆም።
ኣፍሪካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ ውክልና ንክትረክብ ብምግባር ተቐባልነት ቤት ምኽርን ውፅኢታውነትን ኣብ ምዕባይ ትኹረት ከምዝህቡ እውን ፀሪሖም።
ውሕመ ኢትዮጵያ ኣብ ሪፎርም ውሕመን ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውክልና ንክትረክብን ዘቕረበቶ ፃውዒት ግቡእ ከምዝኾነን እቲ ድሌት ጋህዲ ንክኸውን ከምዝሰርሕን ኣፍሊጦም።
ኣፍሪካ ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ፍትሓዊ ተረባሒት ክትኸውን ከምዘለዋን ውሳነ ወሃቢነታ ክዓቢ ከምዘለዎን እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ዘሐተመቶ ፍሉይ መዘከርታ ቴምብር ውሕመ ክሳብ ሕዚ ዝመፀሉ ዝዝክር ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ንዘንፀላለዩ ፈተናታት ብሓባር ክንፈትሖ ከምዘለና ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።
ንዝሓሸት ኣፍሪካን ዓለምን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ፃውዒት ብምቕራብ፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ እጃም መሪሕነታ ንክትዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም